ቲካድ ንርክብ ኣፍሪካን ጃፓንን ወሳኒ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ደገፋ ክትቅፅለሉ ኢያ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቲካድ ንርክብ ኣፍሪካን ጃፓንን ወሳኒ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ደገፋ ክትቅፅለሉ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) መስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ ዘቲዮም።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓደ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረን ታሪካዊን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ጃፓን ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚን ቴክኒካል ምትሕብባርን ትርጉም ዘለዎ ደገፍ ክትገበር ምፅንሓ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ንምውሃድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ፣ እግሪ ምትካል ዝግበር ደገፍ ኣጠናኺራ ንክትቅፅል ሓቲቶም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ኩለ መዳይ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ምቹእ ዕድል ኢንቨስትመንት ዝፈጠረ ብምዃኑ ኩባኒያታት ጃፓን ነክሳተፋ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment