“ቱር ሓድነት ትግራይ” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)“ቱር ሓድነት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 12 ክሳብ 26 ታሕሳስ ዝካየድ ውድድር ኮርሶ ብሽክለታ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ።

ብኽሊቲኡ ፆታ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝካየድ እቲ ውድድር፥ 6 ኪሎ ሜትሮ ብዝሸፈነ ውድድር ውልቀ ፓራሎግ ደቂ ተባዕትዮ ኢዩ ትማሊ ተጀሚሩ።

ካብ 7 ጋንታታት 52 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተሰለፍሉ እቲ ውድድር ተወዳደርቲ ብሰዓት 47 ነጥቢ 68 ኪሎ ሜትሮ ተሓምቢቦም።

ኣብ መወዳእታ ፍስሃ ገብረዮሃንስን በረኸት ደሳላኝን ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ 1ይን 3ይን ደረጃ እንትሕዙ፥ ብዛየሁ ተስፍኡ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና 2ይ ደረጃ ሒዙ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ከተማ ዓዲግራት ብዝካየድ 115 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ዝቕፅል ክኸውን እዩ።

እቲ ንክልተ ሰሙናት ዝፀንሕ ውድድር ብሽክለታ “ቱር ሓድነት ትግራይ”፥ ብሓፈሻ 1 ሽሕን 54 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኢዩ።

እዚ ማለት 707 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 347 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ዝሽፍን እዩ።

“ቱር ሓድነት ትግራይ” ኣብ ከተማ መቐለ መበገሲኡ ብምግባር ከተማታታት ዓዲ ግራት፣ ዓድዋ ፣ ኣኽሱም፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ እንዳባ ጉና ተመሊሱ ድማ ሽረ እንዳስላሰ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ዓብይ ዓድን እቲ ውድድር ዝካየደለን ከተማታታት እንትኾና ኢየን።

26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መቐለ መፈፀምታ ክረክብ ትፅቢት ይግበር።

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

Comments (0)
Add Comment