ቱርክ ምስ ኢትዮጵያ ብምርሕብባር ምስራሓ ከምትቕፅል ኤ ኬ ፒ ፓርቲ እታ ሃገር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርክ ምስ ኢትዮጵያ ብምርሕብባር ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምክትል ኣቦ መንበር ጉዳያት ወፃኢ ኤ ኬ ፒ ፓርቲ እታ ሃገር ፌቭዚ ሻንቨርዲ ገሊፆም።

ምክትል ኣቦ መንበር ጉዳያት ወፃኢ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ መኽፈቲ ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ተረኺቦም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኢትዮጵያን ቱርኪን ነዊሕ ዓማውቲ ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወ ሃገራት ከምዝኾና ብምዝኽኻር፤ ርክበን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረጅብ ጣይብ ኤርዶሃን ብምርኻብ ልዝብ ምግባሮምን ኣብ ጉባኤ ኣፍሪካ ቱርኪ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝተሳተፉ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ኣቦመንበር፥ ብወታደራዊን ንግዲን ዘለወን ምትእስሳር ኣጠናኺረን ክቕፅላ ኢየን ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment