ቱርኪ 12 ቢሊየን ዶላር ዘውፅእ ሓዱሽ ክዙን ነዳዲ ረኺበ ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪ 12 ቢሊየን ዶላር ዘውፅእ ሓዱሽ ክዙን ነዳዲ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ቱርኪ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ትርከብ ግዝኣት ሲርናክ እምባ ጋባር ዝረኸበቶ ክዙን ነዳዲ ምስተፃረየ 150 ሚሊየን በርሚል ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ምስ ሚኒስትራቶም ድሕሪ ምዝታይ እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ከምዝገበሩዎ ኣርቲ ፀብፂቡ።

በቲ ዝረኸበቶ ውፅት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዋ መጠን ሃገራዊ ክዙን ነዳዲኣ ተወሳኺ 71 ሚሊየን በርሚል ነዳዲ ከምዝወስኸላ ኣፍሊጣ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment