ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱሪዝም ሕክምና ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ።
እቲ መርሃ ግብሪ፥ ብሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ሜዲካል ሰርቪስ ዋጋን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒን ካልኦትን ንመሃብ ሰባት ካብ ጎረቤት ኣቲዮም ኣገልግሎት ከምዝረኽቡ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ እዚ ክቕፅልን ክስፋሕፋሕን ከምዘድሊ ተገሊፁ።
ዘፈር ውልቀ ሕክምና ዝሐሸ ምንቅስቓስ እናገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።
“ኢትዮጵያ ኣብ ባህላዊ ሕክምና ሰፊሕ ፍልጠት ኣለዋ” ዝበላ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ እቲ ዓውዲ ምፍላጥን ምጥቃምን ከምዘድሊ ገሊፀን።
ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ነባራዊ ኩነታት ቱሪዝም ሕክምና ዘለዎ ረብሓ ዝምልከት መፅናዕቲ ከምዝቐረበ ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!