ቱሪዝምን ሰላምን ዙይነፃፀሉ ምዃኖም ተገንዚብና ክንሰርሕ ይግባእ – ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2013 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ቱሪዝምን ሰላምን ዙይነፃፀሉ ምዃኖም ተገንዚብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ኦሮሚያ ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ቱሪዝምን ወይዘሮ ቡዜና ዓብዱልቃድር ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለን ክልላት ብዙሓት ፀጋታት ቱሪዝም ከምዘለዉ፤ ይኁን እምበር ኣልሚዕኻ ናብ ኣገልግሎት ምእታው ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፍ ኢዩ።

ብብርኪ ሃገር ዝተገበረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዓውዲ ቱሪዝም ቀንዲ ኣንፈት ትኹረት ምግባሩ ተዛሪበን።

ህይወት ዜጋታት ናብ ምዕባለ ንምውሳድ ኣብ ኩለን ክልላት ዘሎ ዓውዲ ቱሪዝም ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።

ፕሮቶኮል ኮቪድ-19 ብምሕላው፥ መስሕባት ምልማዕን ድሕንነት በፃሕቲ ምሕላውን ድማ ናይ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ኢለን።

ቱሪዝምን ሰላምን ዙይነፃፀሉ ጉዳያት ስለዝኾኑ ኩለን ክልላት ንሰላም መሪሕ ትኹረት ብመሃብ እቲ ዓውዲ ክዓቢ ምግባር ከምዝግባእ እውን አተሓሳሲበን።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment