ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ምድላው ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምድላዋታ ትቕፅል ኣላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ትማሊ ኣብ ኣዳማ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ከምኡ እውን ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ሜዳ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ልምምድ ምስራሓ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣጥቃዕቲ ኣቡበከር ናስርን ሱራፌል ዳኛቸውን እውን ቅልል ዝበለ ልምምድ ኩዕሶ፤ ከምኡ እውን ኣስቻለው ታመነ ልምምድ ኣካል ጥንካረ ዝሰርሑ እንትኾኑ፥ ሰለስቲኦም ተፃወትቲ ብኣካልን ጥዕናን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment