ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብሩ ትካል በይነ ምግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣተሓሳሲቡ።
ኢጋድ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ዘጣየሾ ኣኼባ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ።
ስብሰባው ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) በተገኙበት በኬንያው ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ የተመራ ሲሆን፥ የአፍሪካ ህብረት ኮሚሽን የሥራ ሃላፊዎች፣ የሀገራት እና የተመድ የሰብአዊ ጉዳዮች ማስተባበሪያ ጽሕፈት ቤት ተወካዮች በተገኙበት ተካሂዷል
እቲ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ብፕሬዚዳንት ኬንያዊሊያም ሩቶ ዝተመርሐ እንትኸውን÷ ሓለፍቲ ስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመን ተወከሀልቲ ሃገራትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።
እቲ ትካል ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ተፃባእቲ ሓይሊታት እታ ሃገር ጎንፂ ጠጠው ብምባል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ክበፅሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ቅድሚ ሕዚ ስምምዓት ምቁራፅ ተኹሲ ተገይሮም ከምዝተጠሓሱ ዝሓበረ መግለፂ ኢጋድ÷ ዝግበር ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ሜላ መተግበሪ ክእለሸሉን ክትትል ክግበረሉን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብምኽንያት ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ እናተናወሐን እናተጋደደን ከምዝመፅአ ኣብቲ መግለፂ ተላዒሉ።
ወታደራዊ ኣማራፂ ንሱዳን መፍትሒ ኣይኸውንን ዝበለ መግለፂ ኢጋድ፥ ተፃባእቲ ሓይሊታት ናብ ጠረጴዛ ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ምሕጋዝ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com