ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሳይንስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሳይንስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም።

እቶም ትካላት ነዚ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾ፥ ሉኣላዊነት ሃገር እናሓለወ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ኣኽብሮትን ጅግንነትን ብተግባር ንምርግጋፅ ሓገዝ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት እቶም ትካላት ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም 179 ሚሊየን 210 ሺሕን 531 ብር ብጥረ ገንዘብ፣ 28 ሚሊየን 100 ሺሕ ዝግመት ዋጋ ዘለዎም መገልገሊ ናውቲ፣ ለ ሚሊየን 286 ሺሕን 935 ብር ዘውፅኡ ኣጣልን ኣባጊዕን፣ እኽሊ ብምልጋስ ልገሳ ደም እውን ኣካይዶም።

ናይ መምሀሪ ሆስፒታል ካብ ዘለወን ዩኒቨርሲታት ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ግምባር ብምዝማት ኣገልግሎት ንመሃብ ናብቲ ሰራዊት እናተፀምበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ድማ ኣብ ሆስፒታላተን ኣገልግሎት ሕክምና እናሃባ ይርከባ ተባሂሉ።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ተፀዋዕቲ ትካላትን ዩኒቨርሲቲታትን እናገበረኦ ዝርከባ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment