ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምዕዛብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ተጠቃምነት በሪ ባሕሪን ወደብን ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ምዕዛብ ከምዝግባእ ኣማኻሪ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኢብራሂም ኢድሪስ ኣመልኪቶም።

ብኣሰናዳእነት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ “ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ፍትሐዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ባሕሪ ዝጠመተ ፍሉይ ሴሚናር ይካየድ ኣሎ።

ኣማኻሪ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተደራዳሪ ሰለስተኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ኢብራሂም ኢድሪስ÷ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዲፕሎማሲ ዓለም ለኸ ሕጊን ዘለዎ ትርጉም ኣመልኪቶም መዛተዪ ፅሑፍ ኣብቲ ፍሉይ ሴሚናር ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሕቶ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ መሰረት ከምዘለዎ ዘልዓሉ ኣምባሳደር ኢብራሂም÷ ጠለብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያን ወደባት ብሂብካ ምቕባል ሉኣላዊነት ሃገራት ብዘኽበረ መልክዑ ምጥቃም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ድሌት እታ ሃገር ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1982 ዝፀደቐ ዓለም ለኸ ሕጊ በሪ ባሕሪ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment