ተግባር መንግስቲ ፌዴራል ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብ፣ ሕጊን ስርዓትን ምኽባርን መሊስካ ምጥይሽን ኢዩ – ቤ/ፅ ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተግባር መንግስቲ ፌዴራል ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብ፣ ሕጊን ስርዓትን ምኽባርን መሊስካ ምጥይሽን ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተካየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንፁሃን ዜጋታት እንተይተጎድኡን ንብረቶም እንተይዓነወን ከተማ መቐለ ብምቁፅፃር ከምዝተዛዘመ ገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተግባር መንግስቲ ፌዴራል ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብ፣ ሕጊን ስርዓትን ንኽህሉ ከምኡ እውን መሊስካ ምጥይሽን ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓገዝ ዘድሊዮም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ፤ ካብ መረበቶም ርሒቖም ዶብ ኣቋሪፆም ዝተሰደዱ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽን በቲ ገበነኛ ጉጅለ ዝፈረሱን ግልጋሎት ምሃብ ዘቋረፁን መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርትን መረኻቢን መሊሶም እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምዕባለ፣ ሰላም፣ ናፅነትን ድሕንነትን ይኹን እምበር፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን ዝተመስረተት ኢትዮጵያ ንምምስራት ኣጋር ክኸውን ዘይኽእል ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቲ ጉጅለ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኢሉ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ብምፍናው ዓለም ለኸ ትካላት ኢደን ኣእቲየን ድርድር ንኽግበር ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ እውን ተመልኪቱ።

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ብግቡእ ዝተስዓረን ደባይ ኲናት ንምግባር ምንም ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑን እናተፈለጠ፥ ንሱ ግና ምስ ሙሉእ ዓቕሙ ከምዘሎን ስልታዊ ምንስሓብ ገይሩ ደባይ ውግእ ንምግባር ከምዝተዳለወን ዘመላኽቱ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳታት እናፈነወ ከምዝፀንሐ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ናይ ሓሶት ውንጀላታት ብምቕራብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ክሕዝን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ደሊዩ ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኡ መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንድሕንነት ዜጋታት ቅድሚያ ዝህብ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment