ተግባራት ገበን ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ንፖሊስ ዘብፅሕሉ መተግበሪ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ተግባራት ገበን ንፖሊስ ዘብፅሕሉ መተግበሪ ሞባይል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ኮሚሽነር ጄኔራል ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርን ዜጋታትን ኣብ ምሕላው ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ብዙሓት ስራሕቲ ለውጢ ከምዝወገነ ተዛሪቦም።

ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብምድንፋዕ ሓላፍነት ህዝቢን መንግስቲን ብዝለዓለ ብቕዓት ኣብ ምውፃእ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፖሊስ ፌዴራል ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ከምኡ እውን ምስ ሕብረተሰብ ብምዃን ብዘሳልጦም ስራሕቲ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ስራሕቲ ምሕላው ሰላም ብስፍሓት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈተነ ኣብ ዓለም እውን ዘይተለመደ ንስራሕቲ ፀጥታ ዜጋታት ዝሕግዝን ዜጋታት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ገበናት ዝሕብርሉን ብሰብ ሞያ ውሽጢ ዓዲ ዝማዕበለ ዘበናዊ መተግበሪ ሞባይል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ኣፍሊጦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment