ተጋሩ ነበርቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ማልት ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ዝነብሩ ተጋሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም።

እቶም 16 ሺሕን 909 ብር ዘወፈዩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ጥዕና፣ መምህራን ሰራሕተኛታት ምምሕዳር እቲ ወረዳን ከምምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብኣቦወንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ወረዳ ኢሬብቲ መምህር መሓመድ ዓሊዓብዱ ኣቢሎም እቲ ገንዘብ ኣታዊ ከምዝገበርዎ ድማ ተገሊፁ።

ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተፈላለያ ዓውደ ስራሕ እናሰርሑ ዝርከቡ 92 ግዱሳት ተጋሩ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምድጋፍ 27 ሺሕን 800 ብር ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ምግባሮም ይዝከር።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment