ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ፈፀምቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ፈፀምቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ተዛትዮም።

ኣፍቲ ዘተ “መንግስቲ ፌደራል ከጥቀዐካ እዩ፣ ትግራይን ህዝባን ይግለሉ ኣለዉ ወዘተ ዝብሉ ፕሮፖጋንዳታት ኣብ መሬት ዘየለዉ ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ከምዝኾኑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዝኾነ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ልምዓትን ኣብ ዕብየት ሀገርን መዋእለ ንዋዮም ዘፍስሱ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ ኣብ ጎኖም ደው ከምዝብል ቃል ከምዝተኣተወሎም ተገሊፁ።

ነዚ ዝከታተል ተወካሊ ከምዝሰየሙ እውን ተሓቢሩ።

“ዓዲ ክትፈርስ እያ ጓዓዝካ ጠቕሊልካ ዓድኻ እቶ” ብዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፕሮፖጋንዳ እንተይተታለሉ ካብ ስግኣት ነፃ ኾይኖም ክሰርሑ ይግባእ ብዝብል እውን ተዛቲዮም ኢዮም።

“ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነት፣ ሰሪሖም፣ ፅዒሮም ዝልወጡላ ሀገር እምበር ርእሶም ዝደፍኡላ ሀገር ከምዘይኮነት ምርዳእ ክምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment