ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ምላሽ ፅንፈኛ ህወሓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምላሽ ፅንፈኛ ህወሓትን ብዝምልከት መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ከይዲ መብርሂ ሂቡ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ንትግራይ ከምልሙድ ብምኽባር ኣብ ሰላምን ልምዓትን ንከተኩሩ ፃውዒት ብምቕራብ ህወሓት እውን ከም ሓደ ፓርቲ ፖለቲካ ኣብ ክሊ ሰላምን ሃገራዊ ፖለቲካን ንክሰርሕ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም።

ፓርቲን ህዝብን ዝተፈላለዩ ከምዝኾኑ እውን ኩሉ ሰብ ንክግንዘብ እንትመኽሩን እንተረድኡን ፀኒሖም፤

ብመንፅር እዚ ንህወሓት ብሰለማዊ መገዲ ንክንቀሳቐስን እቲ ለውጢ ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ንክጥቀመሉን ተደጋጋሚ ፃውዒት ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ከም ኣብነት ካብዚ ቀፂሎም ቀሪቦም ኣለዉ።

5 ሚያዚያ 20 10 ዓ.ም፣

  • ናብ መቐለ ብምምራሕ ምስ ሕብረተሰብ ዘተ ገይሮም፤

ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ መንግስቶም ምስ ኣመራርሓ ክልል ትገራይ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ፥ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ንከተኩር፣ እቲ ክልል ዝመርሕ ህወሓት እውን ኣብ ቃልሲ ፀረ ድኽነት ብምድሃብ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ነበርቲ እቲ ክልል እውን ምስ ጎረባብቲ ክልላት ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ከምኡውን እቲ ለውጢ ስዒቡ ስግኣት ዝነበሮም ነበርቲ ክልል ትግራይ ኣተባቢዖምን ሕቶታት ተቐቢሎምን ተመሊሶም።

2 ሰነ 2010 ዓ.ም፤

  • ናብ ኣክሱም ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ነበርቲ ተዛቲዮም፣

ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሓውልቲታት ኣኽሱም ዝጎብነዩ እንትኾኑ እቶም ሓውልትታት ዝሕለውሉ ከይዲ ምስ መንግስቲ ጣሊያን ዝርርብ ይገብሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቲ ህዝቢ ኣብ ሰላም፣ ፍቕሪን ይቅርታን ትኹረት ብምግባር ዝረኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ፀገማት ፀፅታ ንክፍትሑ፣ ነቲ ክልል ዝመርሕ ህወሓት እውን ንሰላም ብሓባር ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

04 የካቲት 2011 ዓ.ም

  • ዝኾኑ ይኹኑ ፀገማት ብሃገር በቆል መፍትሒ ንክፍትሑ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ብምጥያሽ ፃውዒት ኣቕሪቦም፤

ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ከባቢታትን ዝረኣዩ ዘይምርድዳኣት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ብዝተውፃእፅኡ ፍሉጣት ሰባት ፃዕሪ ናይ ሓባር ሽምግልና ንክፍትሑ ብህዝቢ ዝተመረፁ ገለልተኛ ዓበይቲ ዓዲ ነቲ ሓላፍነት ንክወስዱ ኮሚሽን ንክጣየሽ ገይሮም።

ነዚ እውን ኩሉ ወገን ብፍላይ መንግስቲ ትግራይ ንክተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪቦም፤

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ንብዙሓት ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጎንፂታት ኣብ መንጎ ህዝቢታት ዝተደራረቡ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምምዕርራይ፣ ሓቂን ፍትሒን መሰረት ዝገበረ ዕርቀ ሰነያ ንምውራድ ንክሕግዝ ዝተጣየሸ ኢዩ።

ኣብቲ እዋን ዝተመረፁ ኣባላት ካብ ዘርኢ፣ ሃይማኖትን ኣድልዎን ብዝፀረየ መልክዑ ስራሕቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ ሓደራ ኣተሓላሊፎም ኢዮም።

መንግስቲ እውን ኣብ ስራሕቲ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ጣልቃ ንከይኣቱ ቃል ኣቲዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምንጎ ክልላት ዝለዓል ሕቶ ማንነትን ወሰንን ብሰላም ዝፈትሕ ኮሚቴ ጉዳያት ወሰንን ማንነትን ኣጣይሾም፤

ይኹን እምበር ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ እዋን ነቲ ከይዲ ብምንኣስ ከምዘይቕበሎ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ።

9 ሰነ 2012 ዓ.ም

  • 50 ኣባላት ዘካተተ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ዓበይቲ ዓዲን ናብ መቐለ ከይዱ፤

ኣብ ምንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ እወንታዊ ዘይኮነ ርክብ ብዝርርብ ንክፍታሕ ሓደ ጉጅለ ሽምግልና ናብ መቐለ ኣምሪሑ።

እቲ ጉጅለ ኣብ መቐለ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካን ብምዃን እንተተዛተየ እውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረ ሚካኤል ነቲ ጉጅለ ነፂገምዎ።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር “ክሳብ ሐዚ ኣበይ ነይርኹም፤ ዘድሊ ዕርቀ ሰላም ኣይኮነን” ብምባል ነቲ ፃዕሪ ዓበይቲ ዓዲ ነፂገምዎ፤ ኣባላት እቲ ጉጅለ እውን ብህወሓት ፀርፍን ምውራድብ በፂሑዎም ኢዩ።

12 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

 

  • ህወሓትን ውሑዳት ደገፍቲን ነቲ ለውጢ ከም ዕድል ብምጥቃም ብሓባር ንክሰርሑ፣ ካብ ዘይግቡእን ሃገር ካብ ዘፍርስን ጉዕዞ ትርፊ ፖለቲካ ንክቑጠቡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ምኽሪ ለጊሶም፤

ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረብሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ “ ውህደት ኢህወዴግ ኣሃዳዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዝግበር ጉያ ኢዩ” እናበሉ ህዝቢ ዘደናግሩ ኣካላት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ኢህወዴግ ፓርቲ እምበር ሃገረ መንግስቲ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ዜጋታት እውን ኮነ ኢሎም ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ዓሊሞም ኣብ እኩይ ተግባር ብዝኣተዉ ኣካላት ንከይደናገሩ መኺሮም።

24 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

  • መንግስቲ ብህይወት ዜጋታት ብምጥላዕ ረብሐኦም ንምምልስ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ከምዘይዕገስ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ህይወት 86 ሰባት ምሕላፉ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብስም ፓርቲ ፖለቲካ ተጎልቢቦም ዝሰኣንዎ ረብሓ ንምምላስ ኢትዮጵያ ብብሄር ብምክፍፋል ንምውዳእ ብስዉር ዝሰርሑ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።

ትዕግስቲ ልቦና መንግስቲ ከምፍርሒ ብምቑፃር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ኣካላት መንግስቲ ከምዘይዕገስ ኣፅንኦት ብምሃብ ኣተሓሳሲቦም።

29 ሚያዚያ  2012 ዓ.ም

  • መንግስቲ ትግራይ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምኽባር ህዝቢ ትግራይ ካብ ቫይረስኮሮና ብምክልኻል ሕጊ ንከኽብር ኣተሓሳሲቦም።

ህወሓት ሃገራዊ ምርጫ ንክናዋሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ከምዘይቕበል ምግላፁ ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ መንግስቲ ትግራይ ውሳነ እቶም ኣብያተ ምኽሪ ንከኽብርን ኮሮና ኣብ ዝተስፋሕፈሐሉ እዋን ምርጫ ምክያድ ዘይሩ ዘይሩ ጉድኣቱ ናይ ህዝቢ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ብሕጊ ተገዛኢ ንክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

1 ሰነ 2012 ዓ/ም

  • ህወሓት ሓደ ፓርቲ እንበር ህዝቢ ከምዘይኮነ፣ ብህዝቢ ክነግድ ከምዘይግባእ፣ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ደገፍ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ፤

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ተወከልቲ ህወሓት መንግስቲ ንትግራይ ዘግለለ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምሲሎም ቅርታ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፣ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንክልል ትግራይ ዝህቦ ድጎማ በጀት ክብ ከምዝበለን ንዓመታት ክጓተት ዝፀንሐ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ መቐለ ንክዛዘም መንግስቲ ልዑል ገንዘብ ብምስላዕ ይሰርሕ ከምዘሎን ዕላዊ ገይሮም።

“ህዝቢ ትግራይ ህዝቢና ኢዩ፤ ህወሓት ሓደ ፓርቲ እንበር ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን” ክብሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተዛሪቦም።

4 ሰነ 2012 ዓ.ም

  • ዘላትና ሓንቲ ሃገር እያ፤ ኣፈላላይና ብዝሰኸነ ኣገባብን ብዝሰልጠነ ዘተን ንፍታሕ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ዛዕባ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘላትና ሓንቲ ሃገር ምዃኑ ብምርዳእ ኣፈላላያት ብዝሰኸነ ኣገባብን ብዝሰልጠነ ዘተን ንክፈትሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

21 ሓምሌ  2012 ዓ.ም

  • ምስ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ሓደ እግሮም ዕጥቃዊ ቃልሲ ካሊእ እግሮም ድማ ሰለማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ብምግባር ህዝቢ ዘደናግሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ደው ኢሎም ንክሓስቡ ኣተሓሳሲቦም።

ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2013 ዓ.ም

  • ህወሓትመንግስት ኣማራፅታት ሓይሊ ንክጥቀም ካብ ዝጉስጉሱ ትንኮሳታት ንክቑጠብ ኣተሓሳሲቦም

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ መንግስ ንህዝቢ ትግራይ ኲናት እንተይኮነስ ልምዓትን ብልፅግናን ከምዘየድሊዮ ብዕሊ ተዛሪቦም።

መንግስቶም እውን ንህዝቢ ትገራይ ካብ ምሕጋዝ ወፃእ ምንም ዓይነት ባህጊ ጎንፂ ከምዘይብሉ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ህወሓት መንግስት ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሓይሊ ንክጥቀም ዝጉስጉሱ ትንኮሳታት ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቋንቋ ትግርኛ ብስም ህዝቢ ትገራይ እናሸቀጡ ናብ ጎንፂ ንከእትውዎ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ከምዘለዉን እቲ ህዝቢ እውን ነዚ ኣጥቢቑ ንክቃለሶ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ይኹን እንበር፥

➢ እዞም ኩሎም ከይዲታት እኳ እንተተገበሩ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ክልል ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን ንስራሕ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ህፃናት ኣብ ጎደና እናሀረሱ ፀገም ክፈጥሩ ፀኒሖም ኢዮም።

➢ኣባላት ሰራዊት ዕለታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ዘየድሊ ተፍቲሽ ብምግባር ልዑል ምንግልታዕ ክገብሩ ፀኒሖም ኢዮም።

➢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ኩሉ ትንኮሳ ብትዕግስቲ ክሓልፎ ፀኒሑ ኢዩ።

➢ እዚ ኣይኣክልን ኢሉ ኣዛዚ አዝ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ብምዕጋት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክምለስ ገይሮም።

23 ጥቅምቲ 20 13 ዓ/ም

➢ጁንታ ህወሓት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ናይ ሓደ መዓልቲ ቀዲሙ፥ መራሒ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝኾኑ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኲናት ኣብ ትግራይ ከምዘይቐሪን ህዝቢ ንክዳሎን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ናብ ትግራይ ዝኸዱ ዝኾኑ ይኹኑ ኣካላት “ክንቀብሮም ኢና” ክብሉ ነጋሪት ኲናት ኣብ ኣደባባይ ተዛሪቦም።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም

➢ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝወደቦም ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣባላት እዚ ሰሜን ካብ ወገን ትፅቢት ዘይግበር ኣብ ለይቲ እዋን ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ።

➢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብፍፃም ቀይሕ መስመር ክሳብ ዝጠሓስ ሓሳቦም ሓደ ነገር ጥራሕ ኢዩ ነይሩ፤ “ሰላም፣ ይቕሬታ፣ ዕርቂን ብልፅግናን”። እዚ ሓሳቦም ድማ ብዝረኸቡዎ ኣጋጣሚ ዕላዊ እናገበሩ ፀኒሖም ኢዮም።

➢ ፅንፈኛው ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ዘሕፍር መጥቃዕቲ ምስፈፀመ፤ (እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ምእማኖም ይዝከር) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ መንግስቲ ንሰላም ክብል ብትዕግስቲ ብዙሓት ትንኮያታት ምሕላፉ ኣገንዚቦም ኢዮም። መንግስቲ እዚ ክገብር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ “ኣዴታት ትግራይ ክሳብ መዓዝ እናበኸያ ይነብራ” ብዝብል ሓሳብ ከምዝኾነ ኢዮም ዝገለፁ።

25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም

  • ቀይሕ መስመር ስለዝተሓለፈ፣ ፃውዒት ሰላም ዋጋ ከምዝሰኣነ ብምግላፅ፥ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ምውሳድ ናይ ግድን ምዃኑ ኣፍለጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ወጋሕታ ሰዓት 11 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጁንታ ህወሓት ዘይተሓሰበን ዘስካሕኽሕን መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ብሓዘን ገለፁ፤
  • ቀይሕ መስመር ከምዝተሓለፈ፣ ንነዊሕ እዋን ንጉጅለ ህወሓት ፃውዒት ሰላም እናተገበረ ይፅናሕ እምበር እዚ ብዘይምቕባል ነኻሲ ጡብ ኣዲኡ ብምዃን ዘይድፈር ሓላዊ ሉኣላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን ዝኾነ ሓይልና ተደፊሩ ክብሉ ገለፁ፤ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣረመኔ ጉጅ ስጉምቲ ንኽወስድ ጥብቂ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግና ዘይልወጥ ቅዋም ከምዘለዎን ኩሉ ህዝቢ ንህዝቢ ትግራይን ጁንታ ህወሓትን ፈላሊዩ ንኽሪኦም ንመላእ ህዝቢ ኣተሓሳሰቡ፤

4 ሕዳር 2013 ዓ.ም

  • እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ፥ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻታትን ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲታት ኢዶም ንኽህቡ ገደብ እዋን ሂቦም ኢዮም፤ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ኣካላት ፀፅታ እቲ ክልል እውን እቲ ዝተውሃቦም ዕድል ተጠቒሞምሉ ኢዮም። እምብለይ ኢሎም ዝተረፉ ኣብ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንፁሃን ዜጋታት ከይጉድኡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዑል ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መልክዑ ኦፕሬሽን ንኽካየድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

ብተፃራሪ ፅንፈኛ ጁንታ ህወሓት ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ጎንደር ንፁሃን ሰባት ትኹረት ብምግባር ሮኬታት ከምዝተኮሰን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት እውን ጉድኣት ከምዘብፀሐን መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፀሪሑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment