ተወዳዳሪ ዲጂታል ዜጋ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዲጂታል ዓለም ክወዳደር ዝኽእል ዲጂታላዊ ዜጋ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ትካል ልምዓት ካፒታል ፈንድ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ኣብ ዲጂታላዊ ክእለት ምስ መዳርግቲ ኣካላት መኺሩ።

እቲ መድረኽ ዜጋታትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዛዕባ ዲጂታላዊ ክእለት ኣፍልጦ ንኽህልዎም ዝተዳለወ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስተር ዲኤታ ምህዞን ቴክኖሎጅን ሑሪያ ዓሊ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፅኦ “ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ክወዳደር ዝኽእል ዲጂታላዊ ዜጋ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና” ኢለን።

ኣብ ውሽጢ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ንዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረት ገይሩ ኣቐሚጡ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዴኤታ፡- ስትራቴጂ ዲጂታል ክእለት ብምሕንፃፅ፤ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ዲጂታል ትምህርትን ስልጠናን ንዜጋታት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፀን።

ዓለምለኸ ኮርፖሬሽን ማሽን ቢዝነስ “ማሕበረሰብ ዲጂታል ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ እቲ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እናተውሃበ ብዘሎ ስልጠና ካብ 1 ሽሕን 200ን ንላዕሊ ሰልጠንቲ ተሳቲፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment