ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ፕሮጀክታት ዑደት የኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ፕሮጀክታት ዑደት የኣሳሊጦም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ተረኺበን፥ ነቶም ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኣብታ ከተማ ህንፀቶም ዝተዛዘመን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡን ፕሮጀክታት ብዝምልከት ገለፃ ገይረን።

ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከተማ ኢያ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ እታ ከተማ ንናብራ ትምቹን ንበፃሕቲ ትስሕብን ንምግባር ብዙሓት ፕሮጀክታት ከምዝተሰርሑን እናሰርሑ ከምዝኾኑን ኣብሪሀን።

ፕሮጀክት ፓርክ ምሕዝነት ፅባቐ ሸገር፣ ፓርክ እንጦጦ፣ ፕሮጀክት ኣደባባይ መስቀል፣ ዜሮ ኪሎ ሜትር ዓድዋ፣ ሸገር ዳቦን ካልኦት ፕሮጀክታትን ብስክሪን ተሓጊዘን ነቶም ተወከልቲ ገለፃ ገይረናሎም።

እቶም ተወከልቲ ኣብ ፓርክ ሓድነት ሓዊሱ ኣብ ፓርክ ምሕዝነትን ፓርክ እንጦጦን ዑደት ከምዝገበሩ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment