ተወከልቲ ሕብረተሰብ ክልል ጋምቤላ ኣጀንዳኦም ብምፍላይ ነቲ ኮሚሽን ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ክልል ጋምቤላ እናተኻየደ ዝፀንሐ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብን ምፍላይን ኣጀንዳ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ፡፡

ካብ 22 ሓምለ 2016ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ልዕሊ 14 ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣጀንዳኦም ብምጥንኻር ንዝመረፁዎም 60 ተወከልቲ ምርካቦም ይፍለጥ።

ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ምስ ፓርቲታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን፣ ምስ ፍሉጣት ውልቀሰባት ተወከልቲ እቲ ማሕበረሰብ ዝኾኑ 60 ሰባት ዘማእኸለ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ትማሊ ኣጀንዳኦም ዘዋድዱሎም 25 ሰባት ብምምራፅ እናዋደዱ ፀኒሖም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ዝተመረፁ 25 ተወከልቲ ዛዕባታት እቲ ክልል ብምውዳብ ነቲ ጉባኤ ብምቕራብ ምስተነበበን ምስተሰምዐን ነቲ ኮሚሽን ከምዘረከቡ ተገሊፁ፡፡

ብኣዓለምሰገድ ኣሳዬ

Comments (0)
Add Comment