ተወሰኽቲ 885 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 88 ሰባት ድማ ሒሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 677 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 885 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 142 ሺሕን 338 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 88 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 125 ሺሕን 619 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ሰለስተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ፤ በዝሒ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 2 ሺሕን 148 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment