ተወሰኽቲ 476 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 846 ሰባት ድማ ሒሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 852 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 476 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 135 ሺሕን 45 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 846 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 121 ሺሕን 594 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 8 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ፤ በዝሒ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 2 ሺሕን 83 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment