ተወሰኽቲ ተርባይናት ግድብ ህዳሰ ናብ ስራሕ ምእታው ኢትዮጵያ ነዚ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር እትገብሮ ፃዕሪ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ተወሰኽቲ ተርባይናት ግድብ ህዳሰ ናብ ስራሕ ምእታው ኢትዮጵያ ነዚ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር እትገብሮ ፃዕሪ ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ነበር ተደራዳሪ ግድብ ህዳሰን ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ገሊፆም።

ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ፥ ኩሎም ተርባይናት እቲ ግድብ ክሳብ ሐዚ ናብ ስራሕ ምእታው ዝነበሮም እኳ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ነዚ ምግባር ኣይተኽኣለን ኢሎም።

ቅድብ ክብል ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ክልተ ተርባይናት ሓዊሱ ኣብዚ ሰሙን ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ተወሰኽቲ ክልተ ተርባይናት ቀረብ ሓይሊ እታ ሃገር ኣዝዩ ከምዘመሓይሾ ኣብሪሆም።

ተርባይናት እቲ ግድብ ናብ ስራሕ ምእታው ናይታ ሃገር ቀረብ ሓይሊ እታ እታ ሃገር ክብ ክብል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኢትዮጵያ እዚ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ዝግበር ፃዕሪ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment