ተንቀሳቓሲ ዘበናዊ ማእኸል ስልጠና ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰገናት ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ዝህበ ተንቀሳቓሲ ዘበናዊ ማእኸል ስልጠና ወይ እውን “ዲጂ ትራክ” ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ማእኸል÷ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋን ዳይሬክተር ሁዋዌ ኣብ ኣፍሪካ ሊዮ ሊዮን ተረኺቦም።

“ዲጂ ትራክ” ንሰገናትን መናእሰይን መሰረታዊ ስልጠናታት ኮዲንግ ፣ ፕሮግራሚንግን ሮቦቲክስ ዝረኽቡሉ ተንቀሳቓሲ ማእኸል ስልጠና ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ማእኸል ስልጠና÷ ኤኒ ዋን ካን ኮድ፣ ትምህርት ሚኒስቴርን ሁዋዌ ቴክኖሎጂን ብሓር ከምዝሰርሑዎ ተገሊፁ፡፡

ተንቀሳቓሲ ዘበናዊ ማእኸል ስልጠና÷ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment