ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ኢራንን ኣሜሪካን ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ኢራንን ኣሜሪካን ድሕሪ 24 ዓመታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ክራኸባ ኢየን።

ኣብ ምድብ ክልተ ናይ መወዳታ ፀወታ÷ ኢራንን ኣሜሪካን ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ስታዲየም ቱማማ ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡

ክልቲአን ሃገራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1998 ፈረንሳይ ኣብ ዘሰናደአቶ ፅዋዕ ዓለም ተራኺን ዝነበራ እንትኾና÷ ኢራን 2 ን 0 ምዕዋታ ይዝከር፡፡

ኢራን ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብ እንግሊዝ ቀፂላ ካብቲ ምድብ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት እንትኸውን÷ ኣሜሪካ ክልተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ብምዝዛም ክልተ ነጥቢ ብመሓዝ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ፡፡

ልዕሊ ኩዕሾ እግሪ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ፀወታ ክልቲአን ሃገራት÷ ኢራን እንተስዒራ ወይ ድማ ማዕረ እንተተፈላሊያ ናብ ቀፃሊ ዙር ምሕላፋ ክተረጋግፅ ኢያ፡፡

ብተፃራሪ ኣሜሪካ ካብ ምድባ ንምሕላፍ ንኢራን ክትስዕራ ኣለዋ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ታሪኸን ክልተ ግዘ ጥራሕ ዝተራኸባ እንትኾና÷ ኢራን ልዕልነት ከምዘለዋ ሓበሬታ ጎል ዶት ኮም የመልክት፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት 12 ኢኳዶርን ሴኔጋልን ከምኡ እውን ኔዘርላንድስ ምስ ኳታር ዝክራኸባ እንትኾና÷ ምሸት ሰዓት 4 ድማ ኢራን ምስ ኣሜሪካ፤ ዌልስ ምስ እንግሊዝ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment