ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ከምዝጅመር ተገሊፁ።
እቲ ፅገና፥ በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ምስ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግን ስትድዮ ክሮቺ ጣልያን ብምትሕብባር ከምዝካየድ ተሓቢሩ።
ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ዝነበረ ኲናትን ተቛሪፁ ዝነበረ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱምን ሙዝየም መቓብር ነገስታትን ዳግም ንምጅማር ሰነድ ስምምዕ ክፈራረሙ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ፥ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ምጅማር ቅድመ ፅንዓት ሓውልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ ሰለስተን መቓብር ነገስታትን ይሳለጥ ኣሎ።