ተቛሪፁ ዝነበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ከይዲ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝነበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ከይዲ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝጅመር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ስዑድ ዓረቭ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣድላዪ ምድላው ተዛዚሙ፡፡

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻል ሓገደጋን ድልዉነትን ተቛሪፁ ዝነበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ከይዲ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ተዛቲዩ ኣንፈት ከምዘቐመጠ እቶም ወዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ 12 ሕዳር 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment