ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግብፂ ካይሮ ተጀሚሩ።
እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣቡዳቢ እናተገበረ ፀኒሑ ኣብ ምድላው ረቂቕ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ይንበር እምበር ድርድር እንተይተገበረ ፀኒሑ ኢዩ።
ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣህመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብፂ ዝገበሩዎ ዑደት ስዒቡ ምስ ፕሬዝዳንት ግብፂ ኣብደልፈታህ ኣልሲሲ ብመሰረት ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ሰለስተኣዊ ድርድር ዳግም ተጀሚሩ።
ብመሰረት እዚ ኣብቲ ረቂቕ ስምምዕነትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ልዝብን ድርድርን ከምዝግበር ተሓቢሩ።
እቲ ድርድር÷ ተረባሕነት ኢትዮጵያን ቀፃሊ ናይ ምልማዕ መሰል ብዝሓለወ መልክዑ ንምክያድ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረን ተሓሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com