ተቓለስቲ ሓይሊታት ሱዳን ንምድርዳር መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕድሕዳዊ ጎንፂ ሱዳን ንምፍታሕ ተቓለስቲ ሓይሊታት ንምድርዳር ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ መራሕቲ ልዝብ ክግበር ኢዩ።

ኣብቲ ልዝብ ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ዓለም ለኸ ትካላትን ትማሊ ኣማስዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ መራሕቲ÷ ፕሬዝዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ይርከቡዎም።

እቶም መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣቀባብላ ከምዝገበራሎም ትፕኢ ፀብፂቡ።

5 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ኢጋድ÷ ኢጋድ ጎንፂ ሱዳን ንኸሸማግሉ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ምስያሙ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment