ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ልዝብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ጎረቤት ሃገራትን ጉዳያት ኢጋድን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውልን ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካላት ኣይተ ዮሴፍ ካሳዬን ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ልዝብ ኣካይዶም።

ዋና ዳይሬክተር ጎረቤት ሃገራትን ጉዳያት ኢጋድን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል፥ ወራሪ ጉጅለ ህወሓት ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ቦታታት ዝፈፀሞም ዘስካሕኽሑ ጨፍጫፋትን ዕንወት ንብረትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራትን መራኸብቲ ሓፋሽን ናይ ሕሶት ፀብፃባት ብምግዋሕ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ንደሓር ብምባል ነቲ ግብረ ራዕዲ ዝ,ድግፍን ምስሊ ሃገር ዘበላሹን ምንቅስቓስ እናገበሩ ከምዝኾ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካላት ኣይተ ዮሴፍ ካሳዬ ብግደኦም፥ ኣፍሪካውያን ውሽጣዊ ጉዳያም ባዕሎም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ዘለዎም ስለዝኾኑ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ብሓባር ክቃወሙ ይግባእ ኢሎም።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ወፍሪ ምንቅስቓስ የኣክል ምፅምባረን ብምምስጋን፤ ዘይተፀምበራ እውን ንኽሕወሳ ነቶም ኣምባሳደራት ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ትርፊ ብዘለዎም ሃገራት ኣቢሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፀወዐ ኣኼባ ውድቂ ንኽግበር፤ ሃገራት ኣፍሪካን ፈተውቲ ሃገራትን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ንኽብላ እውን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment