ተሰዓራይ ናይ ውርሲ ፀገም ከሕምመና እምበር ክስዕረና ኣይግባእን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ተሰዓራይ ናይ ውርሲ ፀገም ከሕምመና እምበር ክስዕረና ኣይግባእን” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዎ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ “ኢትዮጵያ ካብ ነባር ፀገማታ ተላቒቓ ኣብ ጎደና ተስፋ ንኽትግስግስ ንቃለስ ኣለና” ኢሎም፡፡

“ዝሓለፈ ፀገማ ውርሻ እውን መከራና ከናውሖ ይቃለሰና፤ ንሕና ድማ ተስፋና ንምልምላም ክንቃለስ ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብፀገም እተተዋሒጥና ክነግሰልና ኢዩ፤ ንተስፋና እንተተቃሊስና ድማ ክንነግሰሉ ኢና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ተሰዓራይ ናይ ውርሲ ፀገም ከሕምመና እምበር ክስዕረና ኣይኽእልን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣብ መልእኽቶም፡፡

ኣብዚ ዕለተ ሰንበት ኩልና ምክእኣልን ምትሕብባርን ንኽዕር ንፀሊ፤ ፅባሕና ብሩህ ንኽኸውን ድማ ወፂእና ፈልሲ ንትከል ብምባል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment