ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዋና ዳይሬክተር ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ተረፍ ስትራቴጂ ስራሕቲ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ምኽክር ኣካይዶም።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ንዓወት ዲጂታል ኢትዮጵያ መሰረት ክኾኑ ኢዮም ተባሂሎም ብምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተወገኑ ፕሮጀክታት ተዓዚቦም፡፡
ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ሰሎሞን ሶካ÷ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብርብርብ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ኣብሪሆም፡፡
ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ቁልፊ ጉዳይ ብዓርሰ ዓቕሚ ዝስረሐሉን በዓል ዋና ቴክኖሎጂ ዝገብሩን ጉዳያት ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣብ መብርሂኦም ኣልዒሎም፡፡
በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ንዕዉትነት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 መዳርግቲ ኣካላት ዘለዎም ሃፍቲን ፍልጠትን ብምትሕብባር ንስራሕቲ እቲ ስትራቴጂ ዝተረፉ ስራሕቲ ርብርብ ከምዝገብሩ ኣተሓሳሲቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com