ተምሃሮ ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ምምዝጋብ ዘኽእል ቀጥታ ምዝገባ መረፅቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ምምዝጋብ ዘኽእል ቀጥታ ምዝገባ መረፅቲ (ኦንላይን)  ዕላዊ ኮይኑ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተ ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ምምዝጋብ ዘኽእል ቀጥታ ምዝገባ መረፅቲ (ኦንላይን)  ዕላዊ ገይሩ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚዴቅሳ፥ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘውፅኦ ትልሚ ስልጠናታት ከምዝሃበ ኣብሪሀን።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ኣብ 610 ጣቢያታት ምርጫ ዘለዉ 100 ሺሕ ኣፈፀምቲ ምርጫ ሰልጠና ከምዝተውሃቦም እውን ተዛሪበን።

ብምኽኒያት ፀገም ፀፅታ ኣብ ዞባ መተከልን ካማሽን ስልጠና ከምዘይተውሃበ እውን ሓቢረን።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢታት ምዕራብ ወለጋ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ቄለም ወለጋን ካልኦትን ብዝምልከት ኣብቲ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ሓበሬታ ክሳብ ዝወሃብ ትፅቢት ይግበር ምህላዉ ኣረዲአን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ስልጠና ዘይተውሃቦም ኣፈፀምቲ ምርጫ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment