ተመክሮታት ብምውሳድ ንቐፃሊ ዓወታት ምዕጣቕን ልዑል ተስፋ ምስናቕን ይግባእ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመክሮታት ብምውሳድ ንቐፃሊ ዓወታት ምዕጣቕን ልዑል ተስፋ ምስናቕን ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ 1 ጳጉሜን “ናይ ምሽጋር ዕለት” ኣመልኪቱ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ዘተን ኣፍልጦን ኣጀሚሮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ም/ቀ/ሚ ተመስገንን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ማዕርግ ናይ ዴሞክራሲ ስርዓት ህንፀት መተሓባበሪ ማእኸል ሓላፊን ናይ ብልፅግና ፓርቲ ም/ፕሬዚዳንትን ኣደም ፋራህን ሓዊሱ ሚኒስትራትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ፥ “ናይ መሻገሪ ጥሪታት፣ ዓቕሚ ሓዱሽ ብርሃን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተኻየዱ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት፣ ብድሆታትን ቀፀልቲ ናት ትኹረት ኣንፈታትን ዝድህስስ ዘጋቢ ፊልሚ ቀሪቡ።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፥ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ትካላት ፋይናንስ ብምውካል ብሄራዊ ባንኪ፣ ንወፃኢ ጉዳይ ሚኒስቴር፣ ንስፖርቲን ናይ ኪነ ጥበብ ዓውዲን፣ ንሃይማኖት ትካላት፣ ኣብ ህንፀት ንዝተሳተፉ ሰራሕተኛታትን ሞያተኛታትን፣ ንመራኸብቲ ብዙሃን ንንግዲን ዘርፊ ማበራት ምኽሪ ቤትን ኣፍልጦ ሂቡ።

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ፥ ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይኾራዕና ብዘጋጠሙና ፈተናታት ከይተዓናቐፍና በዝጀመርናዮ ናይ ዕብየትን ምዕባለን ሃዲድ ብፍጥነት ብምጉዓዝ ኣሻጊርና ናብ ዝተመልከትናዮ ብዕምቆት ናብ ተመነናዮ ምግስጋስ ይግባእ ኢሎም።

ብፍሬሕይወት ሰፊው

Comments (0)
Add Comment