ተመረቕቲ ዓውዲ ድሕንነት ኣቬሽን ዘጋጥሙ ተለዋወጥትቲ ስግኣታት ንምምካት ዓቕሚ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ኣቬሽን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ኣመሪቑ።

ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ሲሳይ ቶላ፥ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ብንቕሓት ክረኣዩ ዝግበኦም ተለዋወጥቲ ሓደጋታት ኣለዉና ኢሎም።

እቶም ሓደጋታት ቀዲምካ ምፍላይን ምክልኻልን ምኽኣል እቲ ኢንዱስትሪ ሰለማዊን ተወዳዳሪን ኮይኑ ንክቕፅል ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጓዓዝቲን መሰረተ ልምዓትን ድሕንነቶም ዝሓለዉ ንክኾኑ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ውፅኢታዊ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ተመረቕቲ ዓውዲ ድሕንነት ኣቬሽን ዘጋጥሙ ተለዋወጥትቲ ስግኣታት ንምምካት ዓቕሚ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment