ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ዓለም ለኻዊ ለበዳ ኢዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣዊጁ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ቻይና ወፃእ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብ13 ዕፅፊ ክብ ምባሉ ተዛሪቦም።

እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ምክልኻል ዝረአ ዘሎ ትሑት ናይ ተግባር ምንቅስቓስ ከምዘተሓሳሰቦም እውን ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኢዩ ስለዝተበሃለ ሃገራት ክሰርሓ ይግበአን ብምባል እቲ ትካል ዘቕረቦም ምኽረ ሓሳባት ይቕየሩ ኢዮም ማለት ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ሃገራት ነቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ህፁፅን ልዑልን ስጉምቲ ብምውሳድ ከይዲ አቲ ለበዳ ክቕይራ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብ ብዙሓት ሃገራት ክላበድ ዝኽእል ሕማም ክኸውን ክኢሉ ኢዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 114 ሃገራት 118 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን 4 ሺሕን 291 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment