ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ብኽፋል ከምዝዕፀዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ብኽፋል ከምዝዕፀዉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ ብምኽንያት ዝርገሐ ይረስ ኮሮና ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣቢያተ ፍርዲ ኣመልኪተን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 10 ክሳብ 24 መጋቢት 2012 ዓ.ም ከምዝዕፀዉ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ሓደሽቲ መዛግብቲ ኣይኽፈቱን ኢለን።

እዋን ቆፀሮ፣ ዋሕስን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ሓዊሱ ምስ ፀፅታን ድሕንነትን ሃገር ተተሓሓዝነት ዘለዎም ጉዳያት እናተለክዑ ብበዓል ተራ ችሎት ከምዝረኣዩ እውን እተን ፕሬዚደንት ገሊፀን።

ኣብቶም ዝተዓፀዉ መዓልቲታት ተቖፂሮም ዝነበሩ መዛግብቲ ድሕሪ 34 መጋቢት ከከም ዓይነት ናይቶም ጉዳያት ዳያኑ ምስ ሓገዝቲ ዳያኑ ብምዃን ከፀጋግዑዎ ኢዮም ተባሂሉ።

ብታሪክ አዱኛ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment