ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ፅሬት ውልቁን ከባቢኡን ከድህብ ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ካብ ዝተለመደ ባህሊ ኣነባብራን ስነ-ስርዓትኣወሃህባ ሰላምታን ወፂኡ ዘድሊ ጥንቃቐ ንኽገብር ፀዊዖም።

ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር፥ ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ እውን እቶም ኣቦታት ሃይማኖት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

ብተስፋዬ ከበደ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment