ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሃገር ለኸ ስራሕቲ ምሃብ ግንዛበ ይሳለጥ ኣሎ – ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሃገር ለኸ ስራሕቲ ምሃብ ግንዛበ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ቫይስ ኮሮና ምስ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዜግነት ከምዘይተሓሓዝን ሰብ ዝኾነ ኩሉ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከምዝኽእልን ገሊፁ።

እተቲ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ምርካቦም ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ መጥቃዕቲ ተፈፂሙዎም ዝብል ሓበሬታ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምውፀአን ስዒቡ ኢዩ።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሚኒስቴር ጥዕና ዘውፀኦ መምርሒ ምክልኻልን ጥንቃቐን ምኽታል ከምዝግባእ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

“እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ሰብኣዊነትናን ርህራሀናን ዝሽፍን ክኾን የብሉን” ኢሉ።

ኢትጵያ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ከም ምዃና መጠን፥ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ሓላዊን ተንከባኻቢን ብምዃን እቲ ቫይረስ ምክልኻል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

“ፍርሒ ሕማም ሰብኣዊነትና ከረስዐና ክንፈቅድ ኣይግባእን ብምባል” እቲ ቤት ፅሕፈት መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment