ቪንሴንት ኮምፓኒ ኣሰልጣኒ ጋንታ ባየር ሙኒክ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናት ጋንታ ባየር ሙኒክ ንቤልጂማዊ ቪንሴንት ኮምፓኒ ብኣሰልጣኒነት ከምዝሾመቶ ኣፍሊጣ፡፡

ኮምፓኒ ንጋንታ ባየር ሙኒክ ብሓላፍነት ተረኪቡ ዘሎ÷ ነበር ኣሰልኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ቶማስ ቱሄል ምስንባታ ስዒቡ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ኣሰልጣኒ ቪንሴንት ኮምፓኒ ንጋንታ ባየርሙኒክ ንስለስተ ናይ ውድድር ዓመታት ንምስልጣን ክሳብ 2027 ዘፅነሖ ውዕሊ ከምዝፈረመ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኮምፓኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓቢያ ተመሊሳ ናብ ሻምፒየንሽፕ ንዝወረደት ጋንታ በርንሌይ እናሰልጠነ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment