ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላኖች ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ይኽእላ ኢየን-በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላኖች ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ይኽእላ ኢየን ክበል በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላኖች 1 መጋቢት 2011 ዓ.ም ብበረራ ቁፅሪ ኢ ቲ-302 ቦይንግ 737 ብመሰረት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ንከይበርር ብበዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ እገዳ ተነቢሩሉ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ይዝከር።

ይኹን እምበር እቲ ኣውሮፕላን ንሓደጋ መበገሲ ዝኾኑ ፀገማት ብምምሕዳር ኣቪዬሽን ፌደራል ኣሜሪካ ብምፍላይ እቲ ሓደጋ ምቕራፍ ዝከኣለሉ ኣገዳዲ መምርሒ ብምውፃእ እቶም መምርሒታት ተግባራዊ ንክኾኑ እተን ኣውሮፕላናት ናብ በረራ ምምላስ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላኖች ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ይኽእላ ኢየን ክበል በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment