ቦይንግ ኣፍሪካ ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስራሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኡ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ ቦይንግ ኣፍሪካ ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስራሕ ከምዝጅምር ዋና ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ሄኖክ ተፈራ ኣፍሊጦም።

ቦይንግ ናይ ኣፍሪካ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸፈተ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን እናመዝገበቶ ትርከብ ዕዉት ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝፅል ወርሒ ጥቅምቲ ስራሕ ከምዝጅምር ብምግላፅ÷ ምኽፋት እቲ ቤት ፅሕፈት ኢትዮጵያ ማእኸል ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ምዃና ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል ተወሳኺ ዕድል ከምዝፈጥረላ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ቦይንግ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብፍላይ ክፍሊታት ኣውሮፕላን (ኣቑሑት) ብሓባር ንምፍራይ ዘኽእል ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዘድህብ እውን ኣመልኪቶም፡፡

Comments (0)
Add Comment