ቦርድ ምርጫ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ከይዲ ምርጫ ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍቢሲ) ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ኩሎም ኣመራርሓ ቦርድን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ከይዲ ምርጫ ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

እቲ መድረኽ፥ ኣካቢት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝኾና ዶክተር ራሄል ባፌ ብዝገበርኡ መደረ ኢዩ ተኸፊቱ።

መብርሂ ካብ መንጎ ዝተውሃበሎም ዛዕባታት፥ ከይዲ ምዝገባ ሕፁያትን መለክዒታትን፣ ከይዲ ምዝገባ ሕፁያት ዓለም ለኸ ዲጂታል ሰብ ሞያ ጉዳያት ምርጫ እቶም ቀንዲ ኢዮም።

ምድላው ወረቐት መውሃቢ ድምፂ ብዝምልከት ድማ ብኻሊእ ዓለም ለኸ በዓል ሞያ ምርጫ መብርሂ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ  ብርቱካን ሚደቅሳ፥ ካብ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝቐረቡ ሕቶታት በቲ መድረኽ ክውሰኑ ከምዘይግባእ ዝገለፃ እንትኾና፥ ምርጫ ዕለት ስለዝቐረበ ካልኦት ተመሳሰልቲ መድረኻት ብተኸታታሊ ከምዝዳለዉ ቃል ኣቲየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment