ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 28 ጉንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ 6ይ ሃገራዊ መረፃ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።
ከይዲ እቲ መረፃ ኣብ ኩሎም ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ዝተዛዘመሎም ቦታታት ጥራሕ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።
ምስ ምዝገባ መረፅቲ ተተሓሒዙ ስምዕታ ዝተለዓሎምን ምዝገባ ደንጉዮም ዝጀመሩን ዘይዛዘሙን ክልላት መረፃ ግን ኣብቲ ዕለት ከምዘይካድ ተሓቢሩ።
ምዝገባ ካብ ዝተቐመጠሉ ዕለት ደንጉዩ ዝተኻየደሉ ምኽንያት ድማ እቲ ቤር ክገብሮም ዝግበኦ ስራሕ ንምዝዛም፣ ሎጂስቲክስን ናውቲን ንምብፃሕ፣ እቲ መረፃ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክካየድ ንኽኽእል ኣድለይቲን ቁፅሪ መፈፀምቲ መረፃ ንምውሳኽን ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 138 ሺሕን 350 መፈፀምቲ ብተወሳኺ ልዕሊ 106 ሺሕን 345 ሓይሊ ሰብ ንምክታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብይስማው ኣደራው
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!