ቦርድ መረፃ 47 ፓርቲታትን 8 ሺሕን 209 ሕፁያት ከምዝመዝገበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 47 ፓርቲታትን 8 ሺሕን 209 ሕፁያት ከምዝመዝገበ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ኣብ 673 ክልላት መረፃ ኢዩ ምዝገባ ሕፁያት ኣካይዱ ዘሎ፡፡

ኣካቢት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብርቱካን ሚደቅሳ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡

ን22 መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየደ ምዝገባ ሕፁያት፥ ኣብ መረፃ 125 ውልቀ ሰባት ብውልቀ ንምውድዳር ሕፁያት ኮይኖም ከምዝተመዝገቡ ተገሊፁ፡፡

ኣርባዕተ ፓርቲታት ንቤት ምኽሪ ክልላት ጥራሕ ዝወዳደሩ እንትኾኑ፥ ክልተ ፓርቲታት ድማ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝወዳደሩ ኢዮም፡፡

ኣብቲ መግለፂ፥ ኣብ ከይዲ ምዝገባ መረፃ ዘጋጠሙ ቀንዲ ቀንዲ ማሕለኻታት ተላዒሎም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብ ምጉዕዓዝ ናውቲ መረፃ ሕፅረት ምትሕብባር ትራንስፖርት፣ ቢሮ መዳለዊ ኣቑሑት ዘይምምላእ ዝተፈጠሩ ምድንጓያትን ኣብ ፀፅታን ሰላምን ዝነበሩ ፀገማት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment