ቦርድ መረፃ ዘይሻራውነቱ ሓሊዩ ልኡኽትኡ ንኽፍፅም ክሰርሕ ኢየ – ወ/ሮ ሜላተወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናፅነቱን ዘይሻራውነቱን ሓሊዩ ልኡኽትኡ ንኽፍፅም ብቖራፅነት ንምስራሕ ከምዝተዳለዋ ኣካቢት እቲ ቦርድ ብምዃን ዝተሸማ ወይዘሮ ሜላተወርቅ ሃይሉ ገሊፀን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 9ይ ስሩዕ ኣኼባ÷ ንወይዘሮ ሜላተወርቅ ሃይሉ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንኽኾና ካብ መንግስቲ ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ወይዘሮ ሜላተወርቅ መስ ግዜኢ ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት÷ እቲ ቦርድ ንምምራሕ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ዝተውሃበን ሓላፍነት ስራሕ ብግቡእ ንምውፃእ ድልውቲ ከምዝኾና ኣረጋጊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment