ቦርድ መረፃ ኣብ ክልል ደቡብ ዝተኻየደ መረፃ ህዝበ ውሳነ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ዝርከባ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ዝተኻየደ መረፃ ህዝበ ውሳነ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ።

እተን ዞባታን ወረዳታትን ኣብ ሓደ ክልል ንኽውደባ ብምልክት ፃዕዳ ርግቢ ከምዝተወከሉን ዝተወከለን ኣብ ሓደ ክልል ምውዳብ ኣይንደልን ንዝብል ምልክት ጎጆ ከምዝተወከሉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቦርድ መረፃ ሎሚ መዓልቲ ብመሰረት ዝሓበሮ ውፅኢት፦

ህዝበ ውሳኔ ዞባ ወላይታ ንኽድገም ስለዝተወሰነን ኣብ ካልኦት ዞባታን ፍሉያት ወረዳታትን ዘይተኻተቱ 81 ጣቢያታት መረፃ እንተይሓወሰ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን መረፅቲ ኣብ ሓደ ክልል ንወደብ ዝብል ምልክት ከምዝመረፁ ተገሊፁ።

78 ሺሕ 970 መረፅቲ ድማ ኣብ ሓደ ክልል ምውዳብ ዘይደገፉ መረፅቲ ከምዝኾኑ ኣመልኪቱ።

ውፅኢት ኣመልኪተን መግለፂ ዝሃባ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብርቱካን ሚደቅሳ፥ ኣብቲ ውፅኢት ዘይተኻተቱ 81 ጣቢያታት ኣብ ሓፈሻዊ ውፅኢት እተን ዞባታ ከምፅኦ ዘኽእል ፅዕንቶ ብዘይምህላዉ እንተይተቱ ተሪፎም ኢለን።

ሙሉእ ውፅኢት ዞባ ወላይታ ኣብቲ ውፅኢት ክካተት ዘይከኣለ፥ ኣብ ሓፈሻዊ ውፅኢት እቲ ህዝበ ውሳነ ፅዕንቶ ክፈጥር ዝኽእል ብምዃኑ ዳግም ህዝበ ውሳነ ከምዝግበር ኣብሪሀን።

ውፅኢት መረፀኦም ኣብቲ ውፅኢት ዘይተኻተቱ ጣቢያታት መረፃ፥ ሙሉእ ዞባ ወላይታን 4 ጣቢያታት መረፃ ኮንሶን፣ ኣብ ደቡብ ኦሞ 4 ጣቢያ መረፃ፣ ኣብ ጋሞ 21ጣቢያታት መረፃ፣ ጌዴኦ 23 ጣቢያታት፣ ጎፋ 10 ጣቢያታት መረፃ፣ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ቡርጂ 2 ጣቢያታት መረፃ፣ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ 3 ጣቢያታት መረፃ፣ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ 7 ጣቢያታት መረፃን ኣብ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ 7 ጣቢያታት መረፃን ኢዮም።

ብይስማው ኣደራ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment