ቦርድ መረፃ ኣብ ክልል ደቡብ ንዘካይዶ ህዝበ ውሳነ 541 ሚሊየን ብር በጀት ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ ንዘካይዶ ህዝበ ውሳነ 541 ሚሊየን ነጥቢ 2 ብር በጀት ሕቶ ኣቕሪቡ።

ቦርድ መረፃ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝቢታን ደቡብ ንዘካይዶ ህዝበ ውሳነ መፈፀሚ ዘድልዮ 541 ሚሊየን 270 ሺሕን 104 ብር ምስ 82 ሳንቲም ተገማቲ በጀት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ቦርድ ኣብ ትሕቲ ክልል ደቡብ ዝርከባ ዞባታት ጋሞ፣ ጎፋ፣ ወላይታ፣ ጌዲዮ፣ ኮንሶና፣ ደቡብ ኦሞ ዞኖች ከምኡ እውን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታት ንሳተን እውን ፍሉያት ወረዳታት ቡርጂ፣ ኣማሮ፣ ደራሼ፣ ባስኬቶ፣ ኣሌ ህዝበ ውሳነ ከምዘካይድ ይፍለጥ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ተግባር እቲ ህዝበ ውሳነ ዝተፀርሐ ሓፈሻዊ ትግባራት ተፈፃሚ ንምግባር እውን ዘድልዮ በጀት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶ ምቕራቡ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብና ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment