ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ መረፃ ርኡይ ፀገም ፀፅታ ከምዘይተፈጠረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሁራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ  ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ  ርኡይ ፀገም ፀፅታ ከምዘይተፈጠረ ኣፍሊጡ።

ቆፀራ ኣብ ዝተዛዘመን ጣቢያታት መረፃ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ውፅኢት ከምዝግለፅ እውን ገሊፁ፡፡

ኣካቢት እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ኣማሲየን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ መረፃ ኣብ ዝተኻየደሉ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከይዲ መሃብ ድምፂ ከምዝተዛዘመ ተዛሪበን፡፡

ከይዲ መሃብ ድምፂ ኣብ ዝተዛዘመለን ጣቢያታት መረፃ ናብ ቆፀራ ድምፂ ከምዝተኣተወ እውን ኣብሪሀን፡፡

ምስ መረፃ ተተሓሒዙ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ጣቢያተታት መረፃ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘጋጠመ ማእኸላይ ፀገም ወፃእ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ገሊፀን፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብምኽንያት ስግኣት ፀፅታ ሓደ ጣቢያ መረፃ ከምዘይተኸፈተ ከምኡ እው ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣብ ክልተ ጣቢያታት መረፃ ብዝተፈጠረ ፀገም ዘይምርግጋዕ ከምዝተዓፀዉ ኣገንዚበን፡፡

እተን ኣካቢት ቦርድ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሕፅረት ወረቐት መውሃቢ መረፃ ምስ ምግጣሙ ተተሓሒዙ እቲ ቦርድ ምላሽ ከምዝሃበሉን ተዛሪበን፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጠረ ሕፅረት ምፍታሕ ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ ኣብ ሲዳማ፣ ጋምቤላን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ሕፅረት ወረቐት መውሃቢ መረፃ ከምዘጋጠመ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ክልል ሲዳማ ዘጋጠመ ሕፅረት ንምፍታሕ ፃዕሪ ዝተገበረ ይኹን እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሚ ብዝኾነ ፀገም ብዝድለ እዋን ክበፅሕ ስለዘይከኣለ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ንኽቋረፅ ተገይሩ ኢዩ ኢለን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሕፅረት ወረቐት መውሃቢ ድምፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ሲዳማ ፅባሕ ዝርገሐ ተገይሩ ረፋድ መረፃ ከምዝግበር ገሊፀን፡፡

ኣብ ጋምቤል እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓሙሽተ ጣቢያታት ሕፅረት ናውቲ ስለዘጋጠመ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ተቛሪፁ ንኽፀንሕ ከምዝተረ ብምሕባር፥ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ኣብ ዝተዛዘመሎም ጣቢያታት መረፃ ግን ስሩዕ ከይዲ ከምዝቐፀለ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ክልል መረፃ ኣሶሳ ሆሃን ኣሶሳ መጋሌን ሕፅት ናውቲ መረፃ ስለዘጋጠመ መረፃ ከምዝተቛረፀ እተን ኣካቢት ኣብሪሀን፡፡

ብሓፈሻ ድማ ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ንዝተፈጠረ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይቕሬታ ሓቲተን፡፡

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደቡብን ሕፁያት ፓርቲታት ፖለቲካ ስምዕታ ከምዘቕረቡ ብምፅራሕ እቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ከምዝፃረ ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment