ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከይዲ ምሃብ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዙ ስምዕታ ምስ ዘቕረቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳን ምክትል ኣካቢ እቲ ቦርድ ዝኾኑ ውብሸት ኣየለን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብፓርቲታት ዝቐረቡ ስምዕታታት መፍትሒ ንምሃብ እቲ ቦርድ ኣብ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት ምስ ዘሎ እዋን ፓርቲታት ቅልጡፍን ዝሐሸን መፍትሒ ንምርካብ ይሕግዝ ዝበሉዎ መጠናኸሪ ሓሳብ ክህቡ ተሓሲቡ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ ስምዕታታት ክህልዎም ኣብ ዝግባእ ቴክኒካዊ ትሕዝቶ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።
እቲ ቦርድ ቅድሚ መዓልቲታት ፓርቲታት ፖለቲካ ስምዕተኦም ዘቕርቡሉ ቅደም ሰዓብ ሓበሬታ ገምጊሙ ኣየንኦም ጉዳያት ስምዕታ ክቐርበሎም ከምዝኽእል ከምኡ እውን ብኸመይ ክቐርቡ ክዝግባእ ብዕሊ ምግላፁ ይፍለጥ።
ምክትል ኣካቢ እቲ ቦርድ ውብሸት ኣየለ፥ ቦርድ መረፃ ስምዕታታት ንምውዳድን ፓርቲታት ንኽወሃቦም ዝሓቱዎ መፍትሒ ሓሳብ ስርዓት ሓሊዩ ብምውዳድናብቲ ቦርድ ዘቕርቡሉ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ከምዘጣየሸ ገሊፆም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፥ እቲ ቦርድ ፓርቲታት ኣብቲ ጉዳይ ዝህቡዎ ሓሳብ ንምስማዕ መድረኽ ምስንድኡ፣ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ መረፃታት ዘይነበረ ተሞክሮ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብቲ ከይዲ ይሕግዝ ኢዩ ዝብሉዎ ሓሳብ ከምዝቕረቡ እውን ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።