ቦርድ መረፃ ትምህርቲ መረፃ ንመሃብ ኣፍልጦ ንዝተውሃቦም ሲቪል ማሕበራት ሰርተፊኬትን ተተሓሓዝቲ ሰነዳትን ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ትምህርቲ መረፃ ንመሃብ ብክልተ ዙር ኣፍልጦ ንዝተውሃቦም ሲቪል ማሕበራት ሰርተፊኬትን ተተሓሓዝቲ ሰነዳትን ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ቦርድ ንመረፅቲ ትምህርቲ ዘምህሩ ሲቪል ማሕበራት ኣፍልጦ ንመሃብ ብዛውፀኦ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ምልክታ ዘእተዉ ሲቪል ማሕበራት ብምግምጋምን ክማልኡ ዝግበኦምብ ዝተረፉ ሰነዳት ብምሕታት 13 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ቀዳማይ ዙር ነ24 ሲቪክ ማሕበራት ኣፍልጦ ምሃቡ ይፍለጥ።

ከይዲ ምሃብ ኣፍልጦ እንትዛዘም ተወሰኽቲ ማሕበራት ካልኣይ ዙር ኣፍልጦ ዝወሃቦም ማሕበራት ዕላዊ ከምዝገብር ብዝሓበሮ መሰረት ድማ ሎሚ መዓልቲ ን41 ሲቪክ ማሕበራት ሂቡ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣፍልጦ ዝተውሃቦምን ሎሚ መዓልቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦምን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንመረፅቲ ትምህርቲ ንመሃብ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ስለዘማልኡ፤ 1 ለካቲት 2013 ዓ.ም ሰርተፊኬትን ካልኦት ሰነዳትን ንኽወስዱ እቲ ቦርድ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment