ቦርድ መረፃ ብግምባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቦርድ መረፃ ኢትዮያ ብግምባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ኦነግ ዝተፈጠረ ምክፍፋልን ውጥጥን ዝተመልከቱ እገዳታት፣ ስምዕታታትን ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝወፅኡ መፍለጢ ደብዳበታትን እናተቐበለ ምፅንሑ ከምኡ እውን እቲ ፀገም ንምፍታሕ እቶም ኣካላት ብውልቀ ከምኡ እውን ስነስርዓት ቁፅፅርን ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ብምዝርራብ ዘለዉ ምምሕዳራዊን ሕጋዊን መገዲታት ኩሎም ከምዝተጠቐመ መፍትሒታት ንመሃብ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብምቕፃል ድማ እቲ ፓርቲ ዘለዎ ብሕታዊ መማረፂ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምፅዋዕ ምዃኑ ብምርዳእን ኣብ ውጥጥ ዘለዉ ክፍሊ ኣመራርሓታት እውን ዘኣመኑሉ ስለዝኾነን፥ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ንኽፍታሕ ምውሳኑ ኣዘኻኺሩ።

ኦነግ 7 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ቁፅሪ 19/ ABO/2013 ዝተፀሓፈ ደብዳበ እቲ ውድብ 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምክያድ ሓደሽሪ ኣባላት ኣመራርሓ ምምራፁ ብምግላፅ፣ ብምኽንያት ውሽጣዊ ፀገሙ ሓፈሻዊ እንተየካየደ ምፅንሑ እዋን ምዝገባ ሕፁያት ከምዘሓለፎ ብምግላፅ ቦርድ መረፃ ዝነበሮ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ምልክት መረፃን ምዝገባ ሕፁያት ተወዳደርቲን ንኸካይድ ክፍቀደሉ ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንኽፀድቀሉ ከምዘሓተተ እቲ ቦርድ ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ።

ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ዝቐረቡ ሰነዳት ብኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011ን ሕገ ደምቢ እቲ ፓርቲ መሰረት ብምግባር ከምዝመርመረ ኣብሪሁ።

እቲ ቦርድ ዝተፈላለዩ ነጥቢታት መሰረት ብምግባር ዝመርመረ እንትኸውን፥ ስለዝኾነ ድማ ብዝገበሮ ምርመራ እቲ ፓርቲ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ መሰረት ብምግባር እውን ኣብቲ ጉባኤ ዝተመረፁ ሓደሽቲ ኣመራርሓታት ከም ኣመራርሓታት ኦነግ ክቕበል ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ።

ኣብ መረፃ ንምስታፍን ሕፁያት ንምቕራብን ዘቕረቡዎ ሕቶ እውን እቲ ሕዚ ዝተመረፀ ኣመራርሓ ተቐባልነት ስለዘይብሉ እቲ ቦርድ ነቲ ሕቶ ከምዘይረኣዮ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment